ትግርኛ / Tigrinya

Symbolbild für die telefonische Kontaktaufnahme mit der Beratungsstelle BIF, Bild zeigt Frau am Telefon

ደውሉልና ኢኹም
ቴለ. 044 278 9999

ሰኑይ 09:00 - 11:00 ቅ.ቀ. 2:00 ድ.ቀ - 4:00 ድ.ቀ.
ሰሉስ 08፡30 - 11:00 ቅ.ቀ. 4:00 ድ.ቀ - 6:00 ድ.ቀ.
ረቡዕ 09:00 - 11:00 ቅ.ቀ. 2:00 ድ.ቀ - 4:00 ድ.ቀ.
ሓሙስ 09:00 - 11:00 ቅ.ቀ. 2:00 ድ.ቀ - 4:00 ድ.ቀ.
ዓርቢ 09:00 - 11:00 ቅ.ቀ. 2:00 ድ.ቀ - 4:00 ድ.ቀ.

ካብቶ ሰዓታት ዝርርብ ብተሌፎን ወጻኢ፡ መልእኽቲ ክትገድፉልና ትኽእሉ።

Symbolbild für die Kontaktaufnahme mit der Beratungsstelle BIF um einen Beratungstermin vor Ort zu vereinbaren, Bild zeigt zwei Frauen sitzend in einem Gespräch.

ናብ ቤት-ጽሕፈትና ምጹና
ድሕሪ ስምምዕ ብተሌፎን

ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ወይ ጾታዊ ጐነጽ ብህሉው መጻምድኺ ወይ ብናይ ቀደም ዝነበረ መጻምድኺ ይወርደኪ ኣሎ ድዩ፧ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ሕጋዊ ወይ ካልእ ሓገዝ እንተደሊኺ ርኸብና ኢኺ። ንሕና ብሞያውነት፣ ብነጻ ከምኡ’ውን ብምስጢራውነት ኢና ንመኽረክን ንሕግዘክን፣ ከምኡ’ውን ንዝተተንከፉ ቆልዑትኪ። ውሕስነትኪ ንዓና ኣገዳሲ እዩ። ምኽሪ ንኣዕሩኽን ኣዝማድን ከምኡ ድማ ንክኢላታትን ትካላትን እውን ንህብ ኢና። ንሕና ብኣውራጃ Zürich (ዙሪክ) ኣፍልጦ ዝተዋህበና ማእከል ምኽሪ ግዳያት ኢና።

ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት
ብኽብረትኩም ብቚጽሪ 117 ጌርኩም ንፖሊስ ደውሉ ወይ ናብ Frauenhaus (መጽለሊ ደቀንስትዮ) ብ(044 350 04 04) ወይ ከኣ ናብ Dargebotene Hand (ቤት-ጽሕፈት ምኽሪ ቅልውላው) ብ143።

» አብ ፍትህን አብ ምፍልላይን ንዘለዋ ደቂ አንስትዮ ዝጠቅም ሓበሬታ (PDF)
» Informationen zu Trennung und Scheidung | Deutsche Übersetzung des obenstehenden Dokuments (PDF)